ክነገልግለኩም ድልዋት ኢና

ኣብዚ ዛዕባ ሕቶ ኣለኩምዶ? በዚ ዝተፀለዎ ሰብ ወይ ኣብ ውሽጢ ስግኣት ዝርከብን ደገፍ ዝደልይ ሰብ መሓዛ ወይ ዘመድ ዲኹም? ብኽብረትኩም ንክትረኽቡና ንድሕሪት ኣይትበሉ፡፡

"FGMhelp" - ኣብ ካንቶን ዙሪክ ናይ ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ መራኸቢ ማእኸል

ንብዙሓት ደቂ ኣንስትዮን ኣንስቲ፡ ከምኡ ድማ ዝርከባሉ ውልቃዊ ኩነታት ብዛዕባ ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ/ምኽንሻብ ብልዕቲ ደቂ አንስትዮ ክዘራረባ ኣዝዩ ከቢድ ይገብሮ፡፡ “FGMhelp” መራኸቢ ማእኸል ከም ምኳኑ በዚ ዝተፀለው ሰባት፡ ኣብ ውሽጢ ስግኣት ዘለው ሰባትን ስድርኦም ንምሕጋዝ ድልው እዩ፡፡ ንሕግዘኩም፡ ሕቶታትኩም ክንምልስን ክንምዕደኩምን ኢና፡፡ ነቲ ኣገልግሎት ብዝቐለለ መንገዲ፡ በናፃን ብምሽራዊ ዝኾነ መንገዲ የቕርብ፡፡

ቤት ፅሕፈትና

ማዕዳ:

እዞም ዝተፀለው፡ ኣብ ውሽጢ ስግኣት ዘለው፡ ፍቑራትን ስድራታት ብዛዕባ ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ/ምኽንሻብ ብልዕቲ ደቂ አንስትዮ ዝምልከት ኣብ ዘለዎም ኩሎም ሕቶታት ማዕዳ ንህብ፡፡

ምትሕልላፍ፡

ንሕክምና ክንክን፡ናብ ስፔሻሊስት ሓካይምን ሆስፒታላት ነተሓላልፍ፡፡ ፀገም ኣብ ዝህልወሉ እዋን፡ ህፃናትን ዓበይቲ ሰባት ንምሕላው ምስ እቶም ዝምልከቶም አካላት ክንራኸብ ኢና፡፡

ማሕበራዊ ስራሕ፡

ብማልቲፕላየራትን ኣስተርጎምቲ ኣቢልና ኣካል እቲ ማሕበረሰብ ንኸውን፡፡ እቲ ቀንዲ ዕላማ ምክልኻል፡ መረዳእታን ንቕሓት ምዕባይ እዩ፡፡

ርክባትካ

ካሪን ብሩፓቸር፡

ኣማኻሪት፡ ነርሲንግ ስፔሻሊስት ዲፕሎማ HF

ኣን ሻድለር

ኣማኻሪት ፡ ማሕበራዊ ሰራሕተኛ FH

ካትጃ ቴሲን፡

ናይቲ ማእኸል መራሒት ማእኸል ብቕዓት ምሕደራ ስርሒታት ማሕበራዊ ሕክምና

ብኸመይ ክትረኽቡና ትኽእሉ

“FGMhelp” ኣብ ካናኑጋስ ኣብ ማእኸል ከተማ ዙሪክ ይርከብ፡፡ ካብ ዙሪክ ማእኸላይ ክፍሊ፡ ኣብ ሒደት ደቓይቕ ብእግርኹም ክትበፅሑ ትኽእሉ ኢኹም፡፡

"ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ
መራኸቢማእኸል
ካንተን ዙሪክ

ኣምቡላቶረም
ካኖንጋስ18
8004 ዙሪክ