ሓገዝ የድልየካ ድዩ ወይስ ሕቶታት ኣለካ?
ኣብዚ ዛዕባ ሕቶ ኣለኩምዶ? በዚ ዝተፀለዎ ሰብ ወይ ኣብ ውሽጢ ስግኣት ዝርከብን ደገፍ ዝደልይ ሰብ መሓዛ ወይ ዘመድ ዲኹም? ብኽብረትኩም ንክትረኽቡና ንድሕሪት ኣይትበሉ፡፡
ንብዙሓት ደቂ ኣንስትዮን ኣንስቲ፡ ከምኡ ድማ ዝርከባሉ ውልቃዊ ኩነታት ብዛዕባ ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ/ምኽንሻብ ብልዕቲ ደቂ አንስትዮ ክዘራረባ ኣዝዩ ከቢድ ይገብሮ፡፡ “FGMhelp” መራኸቢ ማእኸል ከም ምኳኑ በዚ ዝተፀለው ሰባት፡ ኣብ ውሽጢ ስግኣት ዘለው ሰባትን ስድርኦም ንምሕጋዝ ድልው እዩ፡፡ ንሕግዘኩም፡ ሕቶታትኩም ክንምልስን ክንምዕደኩምን ኢና፡፡ ነቲ ኣገልግሎት ብዝቐለለ መንገዲ፡ በናፃን ብምሽራዊ ዝኾነ መንገዲ የቕርብ፡፡
እዞም ዝተፀለው፡ ኣብ ውሽጢ ስግኣት ዘለው፡ ፍቑራትን ስድራታት ብዛዕባ ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ/ምኽንሻብ ብልዕቲ ደቂ አንስትዮ ዝምልከት ኣብ ዘለዎም ኩሎም ሕቶታት ማዕዳ ንህብ፡፡
ንሕክምና ክንክን፡ናብ ስፔሻሊስት ሓካይምን ሆስፒታላት ነተሓላልፍ፡፡ ፀገም ኣብ ዝህልወሉ እዋን፡ ህፃናትን ዓበይቲ ሰባት ንምሕላው ምስ እቶም ዝምልከቶም አካላት ክንራኸብ ኢና፡፡
ብማልቲፕላየራትን ኣስተርጎምቲ ኣቢልና ኣካል እቲ ማሕበረሰብ ንኸውን፡፡ እቲ ቀንዲ ዕላማ ምክልኻል፡ መረዳእታን ንቕሓት ምዕባይ እዩ፡፡
ኣማኻሪት፡ ነርሲንግ ስፔሻሊስት ዲፕሎማ HF
ኣማኻሪት ፡ ማሕበራዊ ሰራሕተኛ FH
ናይቲ ማእኸል መራሒት ማእኸል ብቕዓት ምሕደራ ስርሒታት ማሕበራዊ ሕክምና
“FGMhelp” ኣብ ካናኑጋስ ኣብ ማእኸል ከተማ ዙሪክ ይርከብ፡፡ ካብ ዙሪክ ማእኸላይ ክፍሊ፡ ኣብ ሒደት ደቓይቕ ብእግርኹም ክትበፅሑ ትኽእሉ ኢኹም፡፡
ኣምቡላቶረም ካኖንጋስ18 8004 ዙሪክ