ንብዙሓት ደቂ ኣንስትዮን ኣንስቲ፡ ከምኡ ድማ ዝርከባሉ ውልቃዊ ኩነታት ብዛዕባ ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ/ምኽንሻብ ብልዕቲ ደቂ አንስትዮ ክዘራረባ ኣዝዩ ከቢድ ይገብሮ፡፡ “FGMhelp” መራኸቢ ማእኸል ከም ምኳኑ በዚ ዝተፀለው ሰባት፡ ኣብ ውሽጢ ስግኣት ዘለው ሰባትን ስድርኦም ንምሕጋዝ ድልው እዩ፡፡ ንሕግዘኩም፡ ሕቶታትኩም ክንምልስን ክንምዕደኩምን ኢና፡፡ ነቲ ኣገልግሎት ብዝቐለለ መንገዲ፡ በናፃን ብምሽራዊ ዝኾነ መንገዲ የቕርብ፡፡